መጥቃዕቲ ሳይበር/ኢንተርነት ንኣህጉራዊ ሓበሬታ ምንዳይ ይጸልዎ
ሓበሬታ ንዝምልከተሎም
መልእኽቲ ብኣርት. 34 መትከል ምክልኻል ብሕትነት (DS-GVO)
ኣብ 18/01/2022 ኣብ ሓደ ኣቅራቢ ማእከል መቀመሪ ናይ ኣህጉራዊ ኮሚተ ቐይሕ መስቀል (IKRK)መጥቃዕቲ ተረጋጊጹ ኔሩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ካብ ቀይሕ መስቀል ወጻኢ ዘሎ ሰብ ነቲ ንኣገልግሎት ምንዳይ ተባሂሉ እተኸዘነ ሓበሬታ ምናልባት እውን ነቲ ሓበሬታኻ ኺረኽቦ ኽኢሉ ማለት እዩ።
እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ብምሉኡ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ሂላልን ከምኡውን ኣብ መንጎና ኣብ ቀይሕ መስቀል ጀርመን e.V. (DRK) ስንባደ ተላዒሉ። ምስ IKRK ብእተኻእለና መጠን ቀልጢፍና ነቲ ፍጻመ ንምንጻር ኣበርቲዕና ንጽዕር ከም ዘለና ኸነረጋግጸልኩም ንደሊ ኢና። ነዚ ኣጸጋሚ ዅነታት እዚ ብሓባር ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ንዅሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓበሬታ ንህበካ።
መልእኽትና ናባኹም
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት ምሳኻትኩም ከም ዘለና ኸነረጋግጸልኩም ንደሊ ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመ ተኣፋፊ ፍጻመታት ብሕታዊ ሓበሬታን ዝርዝራትን ብሕድሪ ኸም ዝገበርካልና ንፈልጥ ኢና። ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣፍኲስና ኣይንወስዶን ኢና። ምስ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ሂላልን ብሓባር ኴንና ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንህቦም ኣገልግሎት ንምሃብ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ከም ዘለና ኽትፈልጥ ኣሎካ።
"ኣብ መጻኢ እውን ምእንቲ ኽንድግፍኩም እምነትኩም ንምድልዳል ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኢና።"
Robert Mardini፣ IKRK ምስ Christian Reuter፣ DRK